Questions and Answers on Relocation - Tigrinya

Click for Arabic
اضغط هنا للغة العربية
Click for English
 


 

ምግዓዝ እንታይ ኢዩ፧

ምግዓዝ ንዑቅባ ንዝሓቱ ፣ አህጉራዊ ምክልኻል ካብ ሓደ ኤዉሮፓዊ ሃገር ናብ ካልእ ኤዉሮፓዊ ሃገር ናይ ምትሕልላፍ መስርሒ ኢዩ። ናይ ዑቅባ ሕቶኦም ናብቲ ዝገዓዝሉ ሃገር ምስ ኣተዉ ኢዩ ክጽናዕ ዝጁምር። ምግዓዝ ካብ ዓዲ-ጥልያንን ግሪኽን ዝከኣል።

ነዓይ ይምልከተኒ ዲዩ፧

ኣህግራዊ ምኽልኻል ምስ ዘድልያካን/ኪን ሃገራዊ ወይ  ዘግነት-ኣልቦ ተቀማጢ ናይ ዝተወሰና ሃገራት ምስ ትኸዉን ንናይ ምግዓዝ ሓገዝ ክወሃበካ ብቁዕ ኢኻ። እቲአን ብቁዓት ዝተወሰና ሃገራት ካብ 1 ሓምለ 2017 ጀሚሩ ኤርትራ፡ ባሃማስ፡ ባሕሬን፡ ቡታን፡ ቀጠር፡ ሱርያ፡ UAEን የመንን ወይ ሓደ ዘግነት ኣልቦ ሰብ ካብዚኤን ተመቂሰን ዘለዋ ሃገራት ።

ብተወሳኺ ካብ ናይ ምግዓዝ ሓገዝ ንክትረብሕ:

  • ኣብ መጀመርታ ኣህጉራዊ ምክልኻል ኣብ ግሪኽ ወይ ዓዲ ጥልያንን ክትሓትት ኣለካ/ኪ;
  • ብናይ ጥልያንን ግሪኽን በዓል ስልጣን ዝካየድ ናይ መንነት ምዝገባን ኣስር-ኣጻብዕቲ ምሃብን መስርሕ ከተማልእ ኣለካኪ;
  • ድሕሪ ዕለት 24 መጋቢት 2015 ናይ ዓዲ ጥልያን ግሪኽን ከም ዝኣካተኻ ከተሪኢ ክትእል ኣለካ/ኪ።

fingerprintስለምንታይ ኣስር-ኣጻብዕቲ ይዉሰደለይ፧

ኩሎም ኣመልከቲ ሓተትቲ ኣስር-ኣጻብዕቲ ይዉሰደሎም ኢዩ። ንኣህጉራዊ ምክልኻል ይኹን፤ ወዲ/ጋል 14 ዓመት ወላ ዉን ልዓሊኡ ዕድመ ኩን ኣስር-ኣጻብዕቲ ክዉሰደልካ ኢዩ; ኣብ ናይ ሕቡራት ሃገር ኤዉሮፓ (EU) መስርሕ ዳታቤዝ ክምዝገብ ኢዩ። ንናይ ምግዓዝ ሓገዝ ብቁዕ ንክትኸዉን ኣስር ክዉስደልካ ኣለዎ።

ፍሉይ ሓገዝ የድሊየኒ ኢዩ።ቀዳምነት ይወሃበኒ ድዩ፧

እወ ተኣፈፍቲ/ተነቀፍቲ ሰባት ኣብቲ ናይ ምግዓዝ መስርሕ ቀዳምነት ይወሃቦም ዝበልጸ ዉጽኢት ነቲ ህጻን/ቆልዓ ድማ ቀዳማይ ሓላፍነት ናይ በዓል-መዚ ኢዩ።

ተኣፈፍቲ/ተነቀፍቲ ሰባት እዚዮም ይመስሉ፥ ትሕቲ ዕድመ፤ መሰነይቲ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ፤ ኣካል-ጎደሌ/ ስንኩል ሰብ፤ ነብሰ-ጾር ደቂ ኣንስተዮ: ንጽል ወላዲ ወላዲት ምስ ትሕቲ ዕድመ ዉላድ ግደያት: ዓመጽ ሸቃተን ናይ ደቂ-ሰባት ቡርቱዕ/ረዚን/ዕቱብ ሕማማት ዘለዎም ሰባት ፤ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘልዎም ሰባት: ከምኡ ድማ ግደያት ዓመጽ ስቅያት ካልእ ኣእምራዊ ኣካላዊን ጾታዊን ዓመጽ/ጎነጽ ከም ንኣብነት ግዳያት ናይ ደቂኣንስትዮ ጾታዊ ኣካል ሙጉዳል ዝኣመሰለ ሃገራት።

ናበይ ክግዕዝ ይክእል፧


ናብ ሓደ ካብዚኤን ኤዉሮፒያዉን ሃገራት፥ ኣኡስትሪኣ፣ በልጁኡም፣ ቡልጋሪኣ፣ ክሮኣቲኣ፤ ሲፕረስ፣ ጬክ ረፑብሊክ፣ አስቶኒኣ፣ ፊንላንድ፣ ፍራንስ፣ ጀርመን፣ ሃንጋሪ፣ ኢርላንድ፣ ላትቪኣ፣ ሊቱኣኒኣ፣ ሉኀምቡርግ፣ ማልታ፣ ነዤርላንድስ፣ ፖላንድ፣ ፖርቱጋል፣ ሮማኒኣ፣ ስሎቫኪኣ፣ ስሎቨኒኣ፣ ስፓኢን፣ ስዊዲን።

 

እቲ ዝግዕዘሉ ዝኽእል ሃገር በዓለይ ኽመርጽ ይኽል’ዶ፧

እቲ ትግዕዘሉ ሃገር ምምራጽ ፍቁድ አይኮነን። ዝኾነ ኾይኑ፤ ሃገር ክምረጸልካ ከሎ፤ እቲ ዝምልከቶ በዓል መዚ ሓዳ ሓደ ከራት ከም ስድራበት፣ ተኸእሎ ናይ ቛንቛን ዝኾን ናይ ባህላዉን ማሕበራውን ምትእስሳራት ኣብ ግምት ኣእቲዩ ካብቲአን ዝተጠቅሳ ሃገራት ይመርጸልካ። ካልኦት ሃገራት ከም ካልኦት ሓተትን ቁጽሪ ናይ ተሰደድትን ናብተን ሃገራት ዉን ኣብ ግምት ይኣቱ።

ከመይ ጌሬ ናበይ ከም ዝግዓዝ ይፈልጥ፧

እቲ ዉሳኔ ናይ ምግዓዝ ብጹሑፍ ወረቀት ክንገረካ ኢዩ።

እቲ መስርሕ ክንደይ ግዜ ይወስድ፧

እንድህር ብቁዕ ምኳንካ/ኪ ተረጋጊጹ፣ እቲ ምትሕልላፍ ብቕልጡፍ ይዉዳእ።

ድሕሪ ናይ ምግዓዝ ዉሳነ ምቅባለይ እንታይ የጋጥም፧

ናይቲ ምግዓዝ ዘድልየካ/ኪ ሓበሬታ ክወሃበካኪ ኢዩ። ምስ በጻሕካ/ኪ፣ እታ ትግዕዘላ ሃገር ሕቶኻ ናይ ኣህጉራዊ ምክልኻል መስርሕ ከተካይድ ኢዩ። እቲኤን ቀዳሞት ዓመታት ብዘይ ፍቃድ ናብ ካልእ ሃገራት ክትጓዓዝ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኢንድሕር ብዝኾነ ይኩን ክትግዕዝ ወሲንካ ኣብዚኤን ቀዳሞት ዓመታት ናብቲኣ ዝገዓዝከላ ሃገር ክትምለስ ምዃንካ ንሕብር።

 

ተኸታተለ. ምስ EASO ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ተራኸብ ።